ፃውዒት ሓፈሻዊ ጉባኤ


ንኹልኹም ሰብ ዋና ኣክስዮን ኣለናቴክ

ዋኒኑ፡- ፃውዒት ሓፈሻዊ ጉባኤ ይምልከት።

ንዕለት 19 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ክሳለጥ ተሓሲቡ ዝነበረ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበርና፣ ብሓዱሽ ንግዲ ሕጊ ዓንቀፅ 370 መሰረት፣ ናብ ጥሪ 24/2017 ዓ.ም ክናዋሕ ተወሲኑ ኣሎ። ስለዚ፣ እዚ ስሩዕ
ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝካይደሉ ዕለት ቀዳም – ጥሪ 24/2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ፣ ኣዳራሽ ሆቴል ሃፀይ ዮሃንስ፣ ካብ ንጎሆ ሰዓት 2፡30 ጀሚሩ ስለዝኾነ፣ ሰብ ዋና ኣክስዮን ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት በቲ ዝተጠቐሰ ዕለት ኣብ ’ዚ ጉባኤ ንኽትርከቡ ኣመራርሓ ቦርድ ብኽብሪ ፃውዒት የቕርብ።

i) ናይቲ ጉባኤ ኣጀንዳታት፡
1) ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 2015ዓ.ምን ናይ 2016ዓ.ምን መርሚሩ ምፅዳቕ 2) ፀብፃብ ኦዲት 2015ዓ.ምን ናይ 2016ዓ.ምን ተዛትዩ ምፅዳቕ 3) መረፃ ዝጎደሉ ኣባላት ዳይሬክተራት ቦርድ ምክያድ 4) ቀፃሊ ኣንፈት’ቲ ማሕበር ተዛትዩ ምፅዳቕ

ii) ኣለናቴክ ዝምልከት ሓበሬታ፡
• ሽም ትካል፡ ማሕበር ኣክስዮን ኤሌክትሮኒክ ቴክኖሎጂስ ኣለናቴክ • ዋና ቤት ፅ/ት ዝርከበሉ አድራሻ፡ መቐለ • ምዝገባ ቑፅሪ፡ TG/MK/HAD/3/0008711/2011 • ዝተኸፈለ ዋና ገንዘብ (ካፒታል)፡ ብር 37,700,220.00

ምስ ሰላምታ!

ኣመራርሓ ቦርድ ኣለናቴክ

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top