ኣለናቴክን ሰራሕተኛታት ኣለናቴክን ኣብ ወሰንቲ መድረኻት ቅድሚት ብምስላፍ ንመንግስቲ ትግራይን ንህዝቢ ትግራይን ዝሕግዙ ስራሕቲ እናሰርሑ ፀኒሖም’ዮም። ሓዚ ድማ፣ ሰራሕተኛታት ኣለናቴክ ብድርቅን ጥሜትን ንዝተጠቕዑ ወገናትና ብር 108,062.50 ንኮሚቴ ኣወፍዮም ኣለዉ።
መዘኻኸሪ፡ ቅድም ክብል ማሕበር ልምዓት ትግራይ “ውህብቶ ሓዱሽ ዓመት ንተምሃሮ ትግራይ” (Back to School Program) ብዝብል ኣብ ዝነበረ ፃውዒት’ውን ሰራሕተኛታት ኣለናቴክ ብር 100,000.00 ምውፋዮም ይፍለጥ።


