ማሕበርና፣ ማህበር ኣክስዮን ኤሌክትሮኒክ ቴክኖሎጂስ ኣለናቴክ፣ መስከረም 13/2016ዓ.ም ኣብ መቐለ (ሆቴል ኣክሱም) 2ይ ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣሳሊጡ። እዚ ጉባኤ ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ዛዕባታት ዘተ ድሕሪ ምክያድ ዝስዕቡ ውሳነታት ኣሕሊፉ፡
(1) ናይ ኣለናቴክ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 2013ዓ.ምን 2014ዓ.ምን መርሚሩ ኣፅዲቑ፤
(2) ፀብፃብ ኦዲት ፋይናንስ 2013ዓ.ምን 2014ዓ.ምን ተዛትዩ ኣፅዲቑ፤
(3) ቀፃሊ ኣንፈት’ቲ ማሕበር ተዛትዩ ኣፅዲቑ፤ ከምኡ ድማ መረፃ ዳይሬክተራት ቦርድ (ቦርድ ኣመራርሓ) ኣካይዱ።
ስለዚ ድማ፦
(1) ኣለናቴክ ኣብ ቴክኖሎጂ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ኣጠናኺሩ ክቕፅል፤ ኣብ ዘርፊ “ፊንቴክ” ንምእታው ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ከፋጥን፤ ከምኡ ድማ ፍሉይ ኣካዳሚ ንምኽፋት ኣበርቲዕኻ ክስረሐሉን ኣንፈት ኣቐሚጡ። ብተወሳኺ ድማ፣ ነዚ ንምዕዋት ዘድሊ መጠን ካፒታል ንምርካብ ሰብ ኣክስዮን መጠን ኣክስዮኖም ንኸዕብዩ ዕድመ ብምቕራብ፣ ኣክስዮን ኣብ ምሻጥ ኣጠናኺርካ ክስራሕ ወሲኑ።
(2) ኣብዚ ጉባኤ ኣብ ዘካየዶ መረፃ ቦርድ ድማ፣ ማ/ኣክስዮን ባንኪ ወጋገን፣ ኣይተ ተስፋይ ገ/ሄር ኪ/ማርያም፣ ዶ/ር ኣርኣያ ኣብርሃ መድሃንየ፣ ኣይተ ተስፋሁነኝ ጉዕሽ ኣባይ፣ ዶ/ር ኣታኽልቲ ኪሮስ ሓጎስ፣ ዶ/ር ኣላዩ ብርሃኑ ገብሩ፣ ከምኡ ‘ውን ዶ/ር ለኣከ ዕንቋይ ወ/ማርያም ኣባላት ዳይሬክተራት ቦርድ ኮይኖም ክሰርሑ ወሲኑ።
ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፣ ፀብፃብን ቃለ-ጉባኤን ንምርካብ ብኢ-ሜይል ይርከቡና።